Watch Mezmur Orthodox Tewahdo ንብዓታ ከፈሰሰ
Watch Mezmur Orthodox Tewahdo ንብዓታ ከፈሰሰ on WongelTube.com ንብዓታ ክፈስስ
ንብዓታ ክፈስስ ሓሊፉ ናብ ምዕጉርቲ ወዳ
ርእየያ ንድንግል ብሓዘን ደኺሙ ኣዕይንታ
ኣየ ወላዲቱ በዚሑ መከራ
ዋይ ዋይ እንዳበለት ክትበኪ ጀሚራ
ምስኪን(ንሱ) እንክበኪ ከብዳ ዘይገብረላ
ሽግርን መከራን ሕሰም ተቐቢላ።ኣዝ
ንልቢ ዝኸፍል ሕልና ዝፍንቅል
ከቢድ’ዩ ስደታ መከራ ናይ ድንግል
ጉዕዞ ንቑጽ ምድሪ ኣድኪምዋ ጉያ
ዋይ ዋይ እናበለት ክትበኪ ጀሚራ።
ሰፊሕ እዩ ካብ ብዙሕ ንላዕሊ
መከትኣ ናይ ኣእጋራ ቁስሊ
ካብ ስደታ በረኸት ክሳተፍ
ክስዕባ’የ ምስ ሰሎሜ ዮሴፍ። ኣዝ
ጽምኢ ዝበዝሖ ምድረበዳ ግብጺ
ኣፉ’ውን ከፈተ ንብዓታ ክሰቲ
እንታይ እያ ገይራ እንታይ’ያ በዲላ
ዝገዓረ ሄሮድስ ኣብ መርዓት ገሊላ።
ሰፊሕ እዩ ካብ ብዙሕ ንላዕሊ
መከርኣ ናይ ኣእጋራ ቁስሊ
ካብ ስደታ በረኸት ክሳተፍ
ክስዕባ’የ ምስ ሰሎሜ ዮሴፍ።ኣዝ
እብራውን ግብጻውን ኣቤት ክትጭክኑ
አምኃ ሰብ ጥበብ ገፊፎም ንሳእኑ
ፍትሒ ዘውጽኣላ ሓቀኛ መንገዲ
ስኢና በኸየት ድንግለይ ፈራዲ።
ሰፊሕ እዩ ካብ ብዙሕ ንላዕሊ
መከርኣ ናይ ኣእጋራ ቁስሊ
ካብ ስደታ በረኸት ክሳተፍ
ክስዕባ’የ ምስ ሰሎሜ ዮሴፍ።ኣዝ
ሓዚናላ ድንግል ገንፊሉ ንብዓታ
ዝመረረ ሓዘን ሓሊፉ ብልባ
ናይ ሽግር ናይ ሓጎስ ኩሉ መኻፍልታ
ዘመድ ናይ ኣቡኣ በኸዩ ኤፍራታ።
ሰፊሕ እዩ ካብ ብዙሕ ንላዕሊ
መከርኣ ናይ ኣእጋራ ቁስሊ
ካብ ስደታ በረኸት ክሳተፍ
ክስዕባ’የ ምስ ሰሎሜ ዮሴፍ።ኣዝ
ስብሓት ለእግዚአብሔር ልዑል ወለወላዲቱ ድንግል ወለመስቀሉ ክቡር ይትአኮት ወይሰባሕ ስሙ ለእግዚአብሔር አምላክነ ወትረ በኩሉ ግዜ ወበኩሉ ሰዓት። ኣሜን
ኣሜን
ኣሜን
Wongel Tube Ethiopian Orthodox Tewahido Mezmur and Sibket videos.
↧
Mezmur Orthodox Tewahdo ንብዓታ ከፈሰሰ
↧