Quantcast
Channel: Wongel Net – WongelTube
Viewing all articles
Browse latest Browse all 1029

Mezmur Orthodox Tewahdo ንብዓታ ከፈሰሰ

$
0
0

Watch Mezmur Orthodox Tewahdo ንብዓታ ከፈሰሰ



Watch Mezmur Orthodox Tewahdo ንብዓታ ከፈሰሰ on WongelTube.com ♦ንብዓታ ክፈስስ♦
ንብዓታ ክፈስስ ሓሊፉ ናብ ምዕጉርቲ ወዳ
ርእየያ ንድንግል ብሓዘን ደኺሙ ኣዕይንታ
ኣየ ወላዲቱ በዚሑ መከራ
ዋይ ዋይ እንዳበለት ክትበኪ ጀሚራ
ምስኪን(ንሱ) እንክበኪ ከብዳ ዘይገብረላ
ሽግርን መከራን ሕሰም ተቐቢላ።ኣዝ
♦♦♦
ንልቢ ዝኸፍል ሕልና ዝፍንቅል
ከቢድ’ዩ ስደታ መከራ ናይ ድንግል
ጉዕዞ ንቑጽ ምድሪ ኣድኪምዋ ጉያ
ዋይ ዋይ እናበለት ክትበኪ ጀሚራ።
ሰፊሕ እዩ ካብ ብዙሕ ንላዕሊ
መከትኣ ናይ ኣእጋራ ቁስሊ
ካብ ስደታ በረኸት ክሳተፍ
ክስዕባ’የ ምስ ሰሎሜ ዮሴፍ። ኣዝ
♦♦♦
ጽምኢ ዝበዝሖ ምድረበዳ ግብጺ
ኣፉ’ውን ከፈተ ንብዓታ ክሰቲ
እንታይ እያ ገይራ እንታይ’ያ በዲላ
ዝገዓረ ሄሮድስ ኣብ መርዓት ገሊላ።
ሰፊሕ እዩ ካብ ብዙሕ ንላዕሊ
መከርኣ ናይ ኣእጋራ ቁስሊ
ካብ ስደታ በረኸት ክሳተፍ
ክስዕባ’የ ምስ ሰሎሜ ዮሴፍ።ኣዝ
♦♦♦
እብራውን ግብጻውን ኣቤት ክትጭክኑ
አምኃ ሰብ ጥበብ ገፊፎም ንሳእኑ
ፍትሒ ዘውጽኣላ ሓቀኛ መንገዲ
ስኢና በኸየት ድንግለይ ፈራዲ።
ሰፊሕ እዩ ካብ ብዙሕ ንላዕሊ
መከርኣ ናይ ኣእጋራ ቁስሊ
ካብ ስደታ በረኸት ክሳተፍ
ክስዕባ’የ ምስ ሰሎሜ ዮሴፍ።ኣዝ
♦♦♦
ሓዚናላ ድንግል ገንፊሉ ንብዓታ
ዝመረረ ሓዘን ሓሊፉ ብልባ
ናይ ሽግር ናይ ሓጎስ ኩሉ መኻፍልታ
ዘመድ ናይ ኣቡኣ በኸዩ ኤፍራታ።
ሰፊሕ እዩ ካብ ብዙሕ ንላዕሊ
መከርኣ ናይ ኣእጋራ ቁስሊ
ካብ ስደታ በረኸት ክሳተፍ
ክስዕባ’የ ምስ ሰሎሜ ዮሴፍ።ኣዝ
♦♦♦
ስብሓት ለእግዚአብሔር ልዑል ወለወላዲቱ ድንግል ወለመስቀሉ ክቡር ይትአኮት ወይሰባሕ ስሙ ለእግዚአብሔር አምላክነ ወትረ በኩሉ ግዜ ወበኩሉ ሰዓት። ♦ኣሜን ♦ኣሜን ♦ኣሜን
Wongel Tube Ethiopian Orthodox Tewahido Mezmur and Sibket videos.


Viewing all articles
Browse latest Browse all 1029

Trending Articles