Watch Mezmur Orthodox Tewahdo ኣይረሳዕኩን ነታ ዕለት
Watch Mezmur Orthodox Tewahdo ኣይረሳዕኩን ነታ ዕለት on WongelTube.com ኣይረሳዕኩን ነታ ዕለት
ኣይረሳዕኩን ነታ ዕለት ኣይዘንጋዕኩን ናትኪ ውዕለት
ኣደይ’ለ ዝጽዉዕ ኪዳነ ምህረት /2/ ኣሎኒ ምኽንያት
ንሰብ ተዛሪበ ብጽልኢ ክድበስ
ንብዓተይ ብምረት ካብ ዓይነይ ክፈስስ
ናይ ቤተይ መከራ ኩሉ ነጊረኪ
ሓዛኒት ኢኺ’ሞ ራህሪሁለል ልብኺ
“ኣይርስዖን’የ እቲ ናትኪ ዉዕለት /2/
ውሬታ’ሎኒ ኪዳነ ምህረት
ልበይ እንዳሓዘና ውሽጠይ ደም ክነብዕ
ኣብ ጸልማት ክወሓጥ ፋኑሰይ ክጠፍእ
ኣፍደገይ ሸጊጠ ዝን ኢለ ከልቅስ
ቅድሜኺ ደኒነ ኣደይ’ለ ከስተንፍስ
“ናባይ ጠሚትኪ ተቐቢልክኒ /2/
ብድኹም ነብሰይ ከይነዓቅክኒ
ኣደ ስኢነ ኢለ ኮቶ ኣይከፍኣንን
ተስፋ ኣስኒቕክኒ ከማኺ ኣይረኣኹን
ምድራዊት ኣደየ ንግዜ’ዩ ፍቕራ
ፍሉይ’ዩ ናትኪ ግን ዘይግለጽ ብዋዕላ
“ኣይስልችወንን ማርያም ክብለኪ /2/
ኣብ ጽላት ልበይ ስለ ዝተሓተምኪ
ርሃብ ክኢለዮ መጺእኪ ኣብ ጥሜተይ
በረኸት ኮይንለይ ንጎዶሎ ቤተይ
ጭንቀተይ ቐሊሉ ሓዘነይ ርሒቑ
ዘጨንቅ ጸላኢ ብኣኺ ወዲቑ
“መድሃኒተይ ኢኺ ቁስለይ ፈዊስኪ /2/
እነኹ ቆይመ ክዝምረልኪ
Wongel Tube Ethiopian Orthodox Tewahido Mezmur and Sibket videos.