Quantcast
Channel: Wongel Net – WongelTube
Viewing all articles
Browse latest Browse all 1029

Mezmur Orthodox Tewahdo ኣይረሳዕኩን ነታ ዕለት

$
0
0

Watch Mezmur Orthodox Tewahdo ኣይረሳዕኩን ነታ ዕለት



Watch Mezmur Orthodox Tewahdo ኣይረሳዕኩን ነታ ዕለት on WongelTube.com ኣይረሳዕኩን ነታ ዕለት
ኣይረሳዕኩን ነታ ዕለት ኣይዘንጋዕኩን ናትኪ ውዕለት
ኣደይ’ለ ዝጽዉዕ ኪዳነ ምህረት /2/ ኣሎኒ ምኽንያት

ንሰብ ተዛሪበ ብጽልኢ ክድበስ
ንብዓተይ ብምረት ካብ ዓይነይ ክፈስስ
ናይ ቤተይ መከራ ኩሉ ነጊረኪ 
ሓዛኒት ኢኺ’ሞ ራህሪሁለል ልብኺ     
“ኣይርስዖን’የ እቲ ናትኪ ዉዕለት /2/
ውሬታ’ሎኒ ኪዳነ ምህረት

ልበይ እንዳሓዘና ውሽጠይ ደም ክነብዕ 
ኣብ ጸልማት ክወሓጥ ፋኑሰይ ክጠፍእ
ኣፍደገይ ሸጊጠ ዝን ኢለ ከልቅስ 
ቅድሜኺ ደኒነ ኣደይ’ለ ከስተንፍስ
“ናባይ ጠሚትኪ ተቐቢልክኒ /2/ 
ብድኹም ነብሰይ ከይነዓቅክኒ

ኣደ ስኢነ ኢለ ኮቶ ኣይከፍኣንን 
ተስፋ ኣስኒቕክኒ ከማኺ ኣይረኣኹን
ምድራዊት ኣደየ ንግዜ’ዩ ፍቕራ
ፍሉይ’ዩ ናትኪ ግን ዘይግለጽ ብዋዕላ
“ኣይስልችወንን ማርያም ክብለኪ /2/
ኣብ ጽላት ልበይ ስለ ዝተሓተምኪ 

ርሃብ ክኢለዮ መጺእኪ ኣብ ጥሜተይ
በረኸት ኮይንለይ ንጎዶሎ ቤተይ
ጭንቀተይ ቐሊሉ ሓዘነይ ርሒቑ
ዘጨንቅ ጸላኢ ብኣኺ ወዲቑ 
“መድሃኒተይ ኢኺ ቁስለይ ፈዊስኪ /2/
እነኹ ቆይመ ክዝምረልኪ
Wongel Tube Ethiopian Orthodox Tewahido Mezmur and Sibket videos.


Viewing all articles
Browse latest Browse all 1029

Trending Articles